Overzicht informatiemateriaal coronavirus, inclusief printversies

Deze Tigrinyaanse informatie is aangepast op 26 januari.

Nederlands | Arabisch | Chinees (traditioneel) | Chinees (vereenvoudigd) | Engels | Farsi | Frans | Papiaments | Pools | Somalisch | Spaans | TigrinyaTurks

ኮሮና-ቫይረስ

ኣብዚ ብዛዕባ እዚኦም ዝስዕቡ ከተንብብ ትኽእል፡

  • እቶም ሕጋጋት ኣየኖት እዮም
  • ኣየኖት ምልክታት-ሕማም ክህልዉኻ ይኽእሉ
  • መርመራ ብኸመይ ይግበር

ምሸትን ለይቲን ካብ ገዛ ኣይትውጽኡ

ካብ ሰዓት 21፡00 ምሸት ክሳብ ሰዓት 04፡30 ንግሆ ንደገ ክትወጽእ ኣይፍቀደልካን እዩ።
እንተድኣ ናብ ደገ ወጺእካ፣ ናይ € 95 መቕጻዕቲ ክወሃበካ ይኽእል እዩ።

እንተድኣ ንስራሕካ ኣድላይ ኮይኑ ግን ናብ ደገ ክትወጽእ ይፍቀደልካ እዩ።
ስለዚ መረጋገጺ ደብዳቤ ናይ ስራሕካ ምሳኻ ተማላእ።
እዚ ደብዳቤ ካብ ስራሕካ ይወሃበካ።

ኣብዚኦም ዝስዕቡ ኩነታት ናብ ደገ ክትወጽእ እውን ይፍቀደልካ እዩ፡

  • ኣብ ህጹጽ ኩነት።ንኣብነት እንተድኣ ሕክምናዊ ሓገዝ ዘድልየካ ኮይኑ።
  • ንከልብኻ ናብ ደገ ንኸተናፍሶ
  • ክንክን ሕሙማን ወይ ኣረጋውያን ንምሃብ
  • ንቀብሪ
  • ፈተና ንምግባር

ስለዚ ንምንታይ ናብ ደገ ከምዝወጻእካ ዝገልጽ ምኽንያት ዘለዎ ደብዳቤ ምሳኻ ተማላእ።
እዚ ደብዳቤ ‘ባዕላዊ መግለጺ ሰዓት-እቶእቶ Eigen verklaring Avondklok’ ተባሂሉ ይጽዋዕ።
ካብ መርበብ-ሓበሬታ www.rijksoverheid.nl ባዶ ደብዳቤ ከተውርድ ማለት ዳውንሎድ ክትገብርን፣ ንዕኡ ክትመልኦን ትኽእል ኢኻ።

ኣብ ውሽጥን ኣብ ደገን ዝትግበሩ ምኽሪታት፡

  • ኩሉ ግዜ ካብ ካልኦት ሰባት ናይ 1.5 ሜተር ርሕቐት ሓልው።
  • ክሳብ 13 ዓመት ዝዕድሚኦም ቆልዑት ግን ምስ ነንሓድሕዶምን፣ ምስ ልዕሊ ዕድመ ሰባትን ክቀራረቡ ይኽእሉ እዮም።
  • ብዝተኻእለ መጠን ዝበዝሕ ግዜ ኣብ ገዛ ኮፍ በል።
  • ኣብ ገዛ ኮይንካ ስራሕ፣ ብዘይካ እዚ ብሓቂ ንዓኻ ዘይከኣል ምስ ዝኸውን።
  • ኣብ ገዛኻ ኣብ መዓልቲ እንተበዝሐ 1 ዝበጽሕ ሰብ ክትቅበል ትኽእል ኢኻ።
  • ካብ ገዛኻ ወጻኢ እንተበዝሐ ምስ 1 ሰባት ክትራኸብ ትኽእል ኢኻ።
  • ናብ ዝኾነ ቦታ ኣብ መዓልቲ እንተበዝሐ 1 ግዜ ንምብጻሕ ክትከይድ ትኽእል።

መሸፈኒ-ኣፍ፡ ግዴታ ንነፍስወከፍ ዕድሚኡ 13 ዓመትን ልዕሊኡን ዝኾነ ሰብ

  • ኣብ ውሽጢ ህንጻታት መሸፈኒ-ኣፍ ግበር።
    ንኣብነት ኣብ ዱኳናትን ኣብ መደበር ባቡርን ማለት ኣብ ስቴሽን
  • ኣብ ቤት-ትምህርቲ መሸፈኒ-ኣፍ ግበር።
    ነቲ መሸፈኒ-ኣፍ ኣብ እዋን ትምህርቲ ጥራይ ኢኻ ክትኣልዮ እትኽእል።
  • ኣብ ህዝባዊ መጎዓዝያ መሸፈኒ-ኣፍ ማለት ማስክ ግበሩ።

መገሻ፡

  • ብሓቂ ኣድላዪ ምስ ዝኸውን ጥራይ ህዝባዊ መጎዓዝያ ተጠቀም።
    መሸፈኒ-ኣፍ ግበሩ።
  • ናብ ካልእ ሃገር ኣይትኺድ፣ ብዘይካ እዚ ብሓቂ ኣድላዪ እንተኾይኑ።

ምልክታት-ሕማም ምስ ዝህልወካ፡ መርመራ ግበር፣ ከምኡ እውን ኣብ ገዛ ኮፍ በል

መርመራ-ኮሮና ግበር፣ ከምኡ እውን ካብዞም ዝስዕቡ ምልክታት-ሕማም 1 ወይ ልዕሊኡ ምስ ዝህልወካ ኣብ ገዛ ኮፍ በል፡

  • ልዕሊ 37.5 ዲግሪ
  • ናይ ምስትንፋስ ጸገም
  • ሃንደበት ክትሽትት ወይ ብመልሓስ ክትጥዕም ዘይምኽኣል
  • ምስዓል
  • ምህንጣስ
  • ዕንጓል ንፋጥ ኣብ ኣፍንጫኻ
  • ቃንዛ ጎረሮ

ረስኒ ወይ ናይ ምስትንፋስ ጸገም ምስ ዝህልወካ፣ ነፍሰወከፍ ምሳኻ ኣብ ገዛ ዝነብር ሰብ እውን ኣብ ገዛ ኮፍ ክብል ኣለዎ።
ረስኒ ልዕሊ 38 ዲግሪ እዩ።

 

መርመራ ምግባር፡

መርመራ-ኮሮና ብነጻ እዩ።

ንስኻ ብ2 ኣገባባት ቆጸራ ክትገብር ትኽእል ኢኻ፡

  1. ብመንገዲ ኮምፒተር፡ ናብ መርበብ-ሓበሬታ www.coronatest.nl ኪድ። ነዚ ንምግባር ናትካ ደይ.ኸይ.ደይ [DigiD] የድልየካ እዩ።
  2. ብመንገዲ ተሌፎን፡ ናብ ቊጽሪ ተሌፎን 0800-1202 ደውል።

ክሳብ ካብ ህዝባዊ ኣገልግሎት ጥዕና ማለት ኸይ.ኸይ.ደይ [GGD] ውጽኢት እትቕበል ኣብ ገዛ ኮፍ በል።

እቲ ውጽኢት ክሳብ እትቕበል እውን በጻሕቲ ክትቅበል ኣይትኽእልን ኢኻ። ህዝባዊ ኣገልግሎት ጥዕና [GGD] መዓስ እንደገና ናብ ደገ ክትወጽእ ከም እትኽእል ክሕብረካ እዩ።

 

ሓኪም

ምልክታት-ሕማም ናይ ኮሮና ምስ ዝህልወካ ናብ ሓኪም ዘይምኻድ ኣገዳሲ እዩ።

ስለዚ መጀመርታ ደውል።

 

ኣብ መርበብ-ሓበሬታ www.Thuisarts.nl/corona ብዛዕባ ኮሮና ዝምልከት ገና ብዙሕ ሓበሬታ ክትረክብ ትኽእል ኢኻ።

እንተድኣ ብዛዕባ ኮሮና-ቫይረስ ዝምልከቱ ካልኦት ሕቶታት ኣለዉኻ ኮይኖም፡

ናብ ቊጽሪ ተሌፎን 0800-1351 ደውል።

እንታይ ክትገብር ይግባኣካ?

ነዞም ዝስዕቡ ጠቐምቲ ምኽርታት ንተዓዘብ፣

.ኣብ መዓልቲ ደጋጊምካ የእዳውካ ብሳምና ተሓጸብ። መንጎ ኣጻብዕትኻ ውን ጽቡቕ ጌርካ ሕጸቦ።

.ኣብ እትሕንጥሰሉ ወይ ድማ እትስዕለሉ እዋን መንዲል ወይ ድማ ሶፍት ተጠቀም።

ወይ ድማ ኣብ ብርኪ ኢድካ (ኢድካ ብምዕጻፍ) ክትሕንጥስን ክትስዕልን ይግባእ።

ብኢድካ ሰላም ኣይትበል!


Deze begrijpelijke informatie is gebaseerd op de adviezen van Rijksoverheid.nl en Thuisarts.nl en is getest met taalambassadeurs van Stichting ABC.
26 januari 2021 – versie 22

Deze pagina wordt geregeld aangepast n.a.v. nieuwe ontwikkelingen en adviezen. Meld je aan voor de contactlijst en we houden je op de hoogte over updates.

Aanmelden

Lees ook: Schrijfwijze: wanneer Corona-virus en wanneer coronavirus?

Wat vind jij van deze voorlichting over Corona?

Help ons door antwoord te geven op een paar vragen.

Ga hier naar de vragenlijst