Overzicht informatiemateriaal coronavirus, inclusief printversies

Nederlands | Arabisch | Chinees (traditioneel) | Chinees (vereenvoudigd) | Engels | Farsi | Frans | Papiaments | Pools | Somalisch | Spaans | TigrinyaTurks

ኮሮና ቫይረስ

ቀጺሉ’ምበኣር ብዛዕባ ኮሮና ቫይረስ ተወሳኺ ሓበሬታ ምንባብ
ይከኣል፣  ሕቶ ምስ ዝህለወኩም በዚ ዝስዕብ ቁጽሪ ምድዋል
ይከኣል፣0800-1351

ኣብ ቤትን ኣብ ደገን ከነተግብሮም ዝግባእ ምኽርታት:

  • ናብ እትኸዶ ቦታታት ተኣኪብካ (ብእኩብ) እይትኺድ።
  • ካብ ካልኦት ሰባት ናይ 1,5 ሜትሮ ርሕቀት ሓሉ።
  • ክሳብ 13 ዓመት ዝዕድሚኦም ህጻናት ኣብ እዋን ስፓርት(ምንቅስቓስ) ክረሓሓቑ ኣየድልይን እዩ

ህዝባዊ መጎዓዝያ

  • ናይ ግድን ኣድላዩ ምስ ዝኸውን ጥራይ ህዝባዊ መጎዓዝያ ተጠቀም፡ ጻዕቂ ምስ ዝህሉ ግን እይትጠቀም።
  • ኣብ ኣውቶቡስ፣ ትራም፣ ሜትሮ፣ ባቡር ከምኡ’ውን ኣብ ጃልባ ናብ ዋንደንኣይላንደን(Waddeneilanden)
    ናይ ኣፍ መሸፈኒ ( ማስክ) ግበር። እዚ ድማ ካብ 1 ሰነ ጀሚሩ ግድነት ኮይኑ፣ ማስክ ምስ ዘይትጥቀም መቕጻዕቲ ክትቅጻዕ ትኽእል።

ምኽሪ ንምልክታት (ጥርዓናት) ዘለዎም ሰባት:

እንተድኣ ረስኒ ሃልዩካ (ልዕሊ 380C)፣  ወይ ድማ ሕጽረት ትንፋስ ምስ ዝገብረልካ ካብ ቤትካ ክትወጽእ ኣይግባእን። ኩሎም ምስኻ ዝነብሩ’ውን ካብ ቤት ክወጹ ኣይግባእን።

ካብዞም ዝስዕቡ ምልክታት1 ወይ ልዕሊኡ  ምስ ዝህልወካ

  • ሰዓል
  • ምሕንጣስ
  • ጸረርታ ናይ ኣፍንጫ ወይ ንፋጥ
  • ምሕርሓር ናይ ጎሮሮ (ቃንዛ ናይ ጎሮሮ)

ንስኻ ጥራይ ካብ ቤት ኣይትውጻእ፣ ኣብ ጥቓ ካልኦት  ሰባት ድማ ኣይትቕረብ።

ምኽሪ ንኣረጋውያን(ዓበይቲ)፣ ምሉእ ጥዕና ንዘይብሎም  ሰባት ወይ ድማ ሓማም ንዘለዎም  ሰባት፣

  • ብዝተኻእለ መጠን ካብ ቤት ኣይትውጽኡ። ናብ ደገ ምስ ትኸዱ ግን ብጥንቃቐ ግበርዎ።

ንሓኪም(huisarts) ምድዋል ዘድልይ ምዃኑ ንምፍላጥ

  1. ኣብ መርበብ ኢንተርነት Thuisarts.nl ዝብል ገጽ ምርኣይ ይከኣል።
  2. ኣብቲ ናይ ምርጫ ሳንዱቕ ‘corona’ ኢልካ ብምምላእ ‘zoeken’  ዝብል ጠውቕ።
  3. ካብቲ ዝረኸብካዮ ዝርዝር ድማ ‘Ik denk dat ik het nieuwe coronavirus heb’ ዝብል ምርጫ ምረጽ
  4. ኣብ ልዕሊ እዛ ምልክት ብምጥዋቕ ድማ ነቲ ጽሕፈት ክትሰምዖ ይከ ኣ ል።

ካልእ  ሕቶ ምስ ዝህልወካ፣

ናብዚ ቁጽሪ’ዚ ደውል፡ 0800-1351

እንታይ ክትገብር ይግባኣካ?

ነዞም ዝስዕቡ ጠቐምቲ ምኽርታት ንተዓዘብ፣

.ኣብ መዓልቲ ደጋጊምካ የእዳውካ ብሳምና ተሓጸብ። መንጎ ኣጻብዕትኻ ውን ጽቡቕ ጌርካ ሕጸቦ።

.ኣብ እትሕንጥሰሉ ወይ ድማ እትስዕለሉ እዋን መንዲል ወይ ድማ ሶፍት ተጠቀም።

ወይ ድማ ኣብ ብርኪ ኢድካ (ኢድካ ብምዕጻፍ) ክትሕንጥስን ክትስዕልን ይግባእ።

ብኢድካ ሰላም ኣይትበል!


Schrijfwijze: wanneer Corona-virus en wanneer coronavirus?

Deze begrijpelijke informatie is gebaseerd op de adviezen van Rijksoverheid.nl en Thuisarts.nl en is getest met taalambassadeurs van Stichting ABC.
2 juni – versie 11

Deze pagina wordt geregeld aangepast n.a.v. nieuwe ontwikkelingen en adviezen. Meld je aan voor de contactlijst en we houden je op de hoogte over updates.

Aanmelden