Overzicht informatiemateriaal coronavirus

Deze Tigrinyaanse informatie is aangepast op 4 oktober 2022

Nederlands | Arabisch |Engels | Farsi |Oekraïens |Pools | Russisch | TigrinyaTurks 

ኮሮና-ቫይረስ

ኣብዚ ብዛዕብኡ ከተንብቢ ትኽእሊ ኢኺ፡

  • ሕግታት ናይ መንግስቲ
  • ናይ ኮሮና ምልክታት-ሕማም
  • መርመራ ምግባር
  • ክታበት

ንሓድሕድካ ከይትተሓሓዝ ምኽሪታት

ናብ ገዛኻ ኣብ ዝመጻእካሉ እዋን ወይ ንሓደ ሰብ ክትበጽሕ ኣብ እትኸደሉ እዋን፣ ኣእዳውካ ብሳሙና ተሓጸብ።

ኣብ ውሽጢ ዲኻ ዘለኻ፣ ንኣብነት ኣብ ገዛ ወይ ኣብ ቤት-ጽሕፈት? መስኮት ወይ ማዕጾ ክፈት።

ወይ ድማ ኣብ ብርኪ ኢድካ (ኢድካ ብምዕጻፍ) ክትሕንጥስን ክትስዕልን ይግባእ።

ብኢድካ ሰላም ኣይትበል!

ስራሕን ምብጻሕን

ነፍስወከፍ ሰብ እንደገና ናብ ስራሕ ክኸይድ ይኽእል እዩ።

ምልክታት-ሕማም ምስ ዝህልወካ፡ መርመራ ግበር፣ ከምኡ እውን ኣብ ገዛ ኮፍ በል

ምልክታት-ሕማም ምስዝህልወካ፡ ባዕላዊ መርመራ ግበር

ዋላ ተኸቲብካ እንተድኣ ኮይንካ እውን ባዕላዊ መርመራ ግበር!

ካብዞም ዝስዕቡ ምልክታት-ሕማም 1 ወይ ልዕሊኡ ምስዝህልወካ ባዕላዊ መርመራ ግበር፡

  • ልዕሊ 37.5 ዲግሪ
  • ናይ ምስትንፋስ ጸገም
  • ሃንደበት ክትሽትት ወይ ብመልሓስ ክትጥዕም ዘይምኽኣል
  • ምስዓል
  • ምህንጣስ
  • ዕንጓል ንፋጥ ኣብ ኣፍንጫኻ
  • ቃንዛ ጎረሮ

መርመራ ምግባር፡

ናይ ኮሮና መርመራ ኣብ ኸይ.ኸይ.ደይ [GGD] ንምግባር ብነጻ እዩ።

ንስኻ ብ2 ኣገባባት ቆጸራ ክትገብር ትኽእል ኢኻ፡

  1. ብመንገዲ ኮምፒተር፡ ናብ መርበብ-ሓበሬታ www.coronatest.nl ኪድ። ነዚ ንምግባር ናትካ ደይ.ኸይ.ደይ [DigiD] የድልየካ እዩ።
  2. ብመንገዲ ተሌፎን፡ ናብ ቊጽሪ ተሌፎን 0800-1202 ደውል።

ክሳብ ካብ ህዝባዊ ኣገልግሎት ጥዕና ማለት ኸይ.ኸይ.ደይ [GGD] ውጽኢት እትቕበል ኣብ ገዛ ኮፍ በል።

እቲ ውጽኢት ክሳብ እትቕበል እውን በጻሕቲ ክትቅበል ኣይትኽእልን ኢኻ።

ኮሮና ምስዘጋጥም እንታይ ትገብር

ኮሮና ኣለካ ድዩ?

ምስ ዝህልወካ 5 መዓልታት ኣብ ገዛ ኮፍ ክትብል ኣለካ።

ምስ ኮሮና ዘለዎ ሰብ ተራኺብካ ነይርካ ዲኻ?
ወይ ምስ ኮሮና ዘለዎ ሰብ ዲኻ ትነብር?

ስለዚ ምልክታት-ሕማም እንተድኣ ዘይብልካ ኮይንካ፣ ኣብ ገዛ ኮፍ ክትብል ኣየድልየካን እዩ።
እንተኾነ ግን ነዚኦም ዝስዕቡ ክትገብር ኣገዳሲ እዩ፡

  • መርመራ ግበር
  • ለበዳ ንምውጋድ ተወሳኺ ጥንቃቐ ብምግባር ነቶም ምኽሪታት ተኸተሎም፡
    • ኣእዳውካ ብዙሕ ግዜ ተሓጸብ
    • ኣፍካ ብኲርናዕ ኢድካ ብምሽፋን ሰዓልን ኣሃንጥስን
    • ንሰላምታ ብኢድ ኣይትጨባበጥ
    • ናብ ኣረገውቲ ወይ ሕሙማን ሰባት ኣይትኺድ

ንዓኻ ባዕልኻ ምልክታት-ሕማም ምስ ዘጋጥመካ፣ ብቐጥታ ከም ብሓድሽ መርመራ ግበር።
ስለዚ ሽዕኡ ኮሮና ዘይብልካ ምዃንካ ብርግጽ ክሳብ እትፈልጥ ኣብ ገዛ ኮፍ ክትብል ኣለካ።

ክታበት

ክታበት ኣንጻር ኮሮና፣ ናይ ኮሮና ቫይረስ ከይሕዘኩም ይከላኸለልኩም።
ነቲ ክታበት ኣብ ላዕለዋይ ቅልጽምኩም ብመርፍእ ክትቕበሉ ኢኹም።
ክታበት ድሕሪ ምውሳድኩም፣ ንስኹም በቲ ቫይረስ ኣይትሓሙን ወይ ኸኣ ብዙሕ ኣይትሓሙን።

ኣብ ኔዘርላንድ ነፍስወከፍ 5 ዓመትን ልዕሊኡን ዝዕድሚኡ ሰብ ክታበት ክወስድ ይኽእል እዩ።

ኣብዚ ብዛዕባ ክታበት ኮሮና ዝምልከት ሓበሬታዊ-ጽሑፍና ክትረኽቦ ትኽእል ኢኻ። እዚ ሓበሬታዊ-ጽሑፍ ብ13 ቋንቋታት ዝተዳለወ እዩ።

ኣብ ኔዘርላንድ ኪው.ኣር ኮድ [QR code] ኣየድልይን እዩ።

ኣብ ኔዘርላንድ ካብ ሕጂ ኪው.ኣር ኮድ [QR code] ኣየድልየካን እዩ። ኣብ ብዙሓት ካልኦት ሃገራት ግን ገና የድልይ እዩ።

ኮድ QR ክትረክብ እኻ  አንተ ደኣ፣

  • ምሉእ ብምሉእ ዝተኸተብካ ምስ እትኸውን
  • ኮሮና ሒዙካ ዝነበረ ኮይንካ፣ ሕሹካ ዝሓደገካ ምስ እትኸውን
  • ተመርሚርካ፣ እንተበዝሐ 24 ሰዓታት ዝገበረ ኣሉታዊ ውጽኢት ምስዝህልወካ

ነቲ  ኮሮናቸክ-ኣፕ [Coronacheck-app] ዝበሃል ኣፕሊኬሽን ኣብ ተሌፎንካ ኣራግፎ (ኣውርዶ ማለት ዳውንሎድ ግበሮ)። ኣብዚ እቲ ኮድ QR ከተዋድዶ ትኽእል ኢኻ።

ኪው.ኣር-ኮድ [QR-code] ብወረቐት እውን ክትቕበል ትኽእል ኢኻ።
ነዚ ድማ ባዕልኻ ሓቲምካ ከተውጽኦ ትኽእል ኢኻ። ናብዚ ዝስዕብ ኪድ፡ www.coronacheck.nl/nl/print/
ኪው.ኣር-ኮድ [QR-code] ከም ዝለኣኸልካ ክትገብር እውን ትኽእል ኢኻ።

እንተድኣ ብዛዕባ ኮሮና-ቫይረስ ዝምልከቱ ካልኦት ሕቶታት ኣለዉኻ ኮይኖም፡

ናብ ቊጽሪ ተሌፎን 0800-1351 ደውል።

ኣብ መርበብ-ሓበሬታ www.Thuisarts.nl/corona ብዛዕባ ኮሮና ዝምልከት ገና ብዙሕ ሓበሬታ ክትረክብ ትኽእል ኢኻ።


Deze begrijpelijke informatie is gebaseerd op de adviezen van Rijksoverheid.nl en Thuisarts.nl en is getest met taalambassadeurs van Stichting ABC.

Deze pagina wordt geregeld aangepast n.a.v. nieuwe ontwikkelingen en adviezen.
4 oktober 2022
Meld je aan voor de contactlijst en we houden je op de hoogte over updates.

Aanmelden

Lees ook: Schrijfwijze: wanneer Corona-virus en wanneer coronavirus?

Wat vind jij van deze voorlichting over Corona?

Help ons door antwoord te geven op een paar vragen.

Ga hier naar de vragenlijst