Overzicht informatiemateriaal coronavirus

Nederlands | Arabisch | Engels | Farsi | Pools | TigrinyaTurks

ነፍሰጾር፣ ወይ ሕርሲን ኮሮናቫይረስን

ብምኽንያት ኮሮናቫይረስ ኩሉ ነገር ተቐያይሩ ኣሎ። እዚ ኸኣ ንነፍስወከፍ ሰብ ኣጸጋሚ እዋን እዩ።
እንላይ ንነፍሰጾር ዝኾና ደቂኣንስትዮን መጻምድተንን፣ ከምኡ እውን ንእሽተይ ሕጻን ንዘለዎም ወለዲን።

ንነፍሰጾር ዝኾና ደቂ-ኣንስትዮ እውን ኮሮና-ቫይረስ ክሕዘን ይኽእል እዩ።
እንተድኣ ምልክታት-ሕማም ኣጋጢሙኪ ወይ ኣለኪ ኮይኑ፣ ናብ በዓልቲ-ሞያ ሕርሲ ወይ ናብ ሆስፒታል ደውሊ። እቶም ምልክታት-ሕማም እዚኦም ዝስዕቡ እዮም፡

  • ምስዓል
  • ምህንጣስ
  • ዕንጓል ንፋጥ ኣብ ኣፍንጫኺ
  • ቃንዛ ጎረሮ
  • 0 ዲግሪ ወይ ልዕሊኡ ዝኾነ ረስኒ።
  • ብመልሓስ ናይ ምጥዓም ን/ወይ ናይ ምሽታት ዓቕሚ ምስኣን

እንተድኣ ምልክታትሕማም ኣለኪ ኮይኑ፣ መጀመር ናብ ማእከል ስነሕርሲ ወይ ናብ ሆስፒታል ደውሊ፣ ከምኡ እውን እንታይ ክትገብሪ ከምዘለኪ ሕተቲ።

ሕጂ ኮሮናቫይረስ ስለዘሎ እንታይ ተቐየረ ኣሎ?

1. ሕርሲ

  • ንስኺ ኣበይ ክትሓርሲ ከም እትደልዪ ብዝምልከት፣ እታ በዓልቲ-ሞያ ሕርሲ ምሳኺ ትዘራረብ።ኣብ ገዛ ወይስ ኣብ ሆስፒታል።
  • ኣብ እዋን እቲ ሕርሲ መብዛሕትኡ ግዜ 1 ሰብ ክህሉው ይፍቀድ።ንኣብነት በዓል-ቤትኪ፣ ሓፍትኺ ወይ መሓዛኺ። ሓደ ሓደ ግዜ ክልተ ሰባት ኣብኡ ንኽህልዉ ክፍቀድ ይኽእል እዩ። ብዛዕባ እዚ ንናትኪ በዓልቲ-ሞያ ሕርሲ ወይ ንሓኪም ሕተቲ።
  • ነቶም ካልኦት ቆልዑት ክሕዘልኪ ዝኽእል ሰብ ከምዝህሉው ግበሪ።

2. እቲ ቆልዓ

ሕጻንኪ ብኮሮና-ቫይረስ ክሓምም ይኽእል እዩ።
ንሕጻንኪ ኮሮና ንኽሕዞ ዘሎ ዕድል ብኸምዚ ዝያዳ ከምዝጸብብ ክትገብሪ ትኽእሊ ኢኺ፡

  • ንቆልዓኺ ቅድሚ ምትንካፍኪ፣ ኣእዳውኪ ብሳሙና ተሓጸቢ
  • ንቆልዓኺ ጸባ ጡብ ቅድሚ ምሃብኪ፣ ኣእዳውኪ ብሳሙና ተሓጸቢ
  • ካብ ጡብኪ ጸባ ቅድሚ ምሕላብኪ፣ ኣእዳውኪ ብሳሙና ተሓጸቢ
  • ጡጦ ቅድሚ ምሃብኪ፣ ኣእዳውኪ ብሳሙና ተሓጸቢ

ንስኺ ባዕልኺ ኮሮናቫይረስ ኣብ ሃለወኪ እዋን ክትግብርዮም ዝግባእ ምኽሪታት፡

  • ኣብ እትምግብሉ፣ ክንክን ኣብ እትገብርሉን እትሓቊፍሉን እዋን መሸፈኒ-ኣፍ ግበሪ።
  • ኣብ ነፍስወከፍ እዋን ሓድሽ መሸፈኒ-ኣፍ ተጠቐሚ።
  • መሃረቢ ወረቀት ሶፍት ተጠቐሚ።
  • ኣፍኪ ብብርኪ ኢድኪ ሸፊንኪ ኣሃንጥሲ።
  • ንዝኾነ ሰብ ንሰላምታ ኢድ ኣይትጨብጢ፣ ኣይትሕቆፊ ወይ ኣይትስዓሚ።
  • እቲ ቆልዓ ኣብ ዘዕርፈሉ/ዝድቅሰሉ እዋን፣ ካብኡ ናይ5 ሜተር ርሕቐት ሓልዊ።

3. ሕቶታት

ዘለዉኺ ኩሎም ሕቶታት ንምሕታት፣ ናብቲ ማእከል ስነ-ሕርሲ ክትድውሊ ትኽእሊ ኢኺ።

ምናልባት ሓኪም ማህጸን ይህልወኪ ይኸውን። እዚኣ ናይ ደቂ-ኣንስትዮ ፍልይቲ ሓኪም እያ። እዛ ሓኪም ንዓኺን ንቆልዓኺን ትከናኸን። ሕቶታት እንተድኣ ኣለዉኺ ኮይኖም ናብ ሆስፒታል ክትድውሊ ትኽእሊ ኢኺ።

4. ቊጽጽር

  • ምስ ናትኪ በዓልቲ-ሞያ ሕርሲ ወይ ሓኪምኪ ብሓባር ብምዃን እቲ ዝቕጽል ቆጸራኺ ትውጥኒ።
  • እንተድኣ ተሻቒልኪ ተወሳኺ ቊጽጽር ንምግባር ንስኺ ባዕልኺ እውን ክትድውሊ ትኽእሊ ኢኺ።
  • እንተድኣ ጒንፋዕ ሒዙኪ ወይ ካልኦት ምልክታት-ሕማም ምስዝህልዉኺ፣ ናብቲ ማእከል ሕክምና ወይ ናብ ሆስፒታል ኣይትምጽኢ።እንተኾነ ግን ምልክታት-ሕማም ከምዘለኪ ንምሕባር ሓንሳብ ደውሊ። ሓደ ሓደ ግዜ እቲ ቊጽጽር ብቴሌፎን ክግበር ይከኣል ን/ወይ ሓድሽ ቊጽጽር ከምዝውጠን ክግበር ኣለዎ።
  • ሕክምናዊ ኣድላይነት ኣብ ዝህልወሉ እዋን፣ ሓደ ሓደ ግዜ ክትራኣዪ ትኽእሊ ኢኺ፣ እንተኾነ ግን እታ በዓልቲ-ሞያ ሕርሲ ወይ ሓኪም ፍሉይ ክዳን ትኽደን።
  • መጻምድትኺ ኩሉ ግዜ ናብቲ ቆጸራ ሰዓት-ምኽሪ ምሳኺ ክኸይድ ኣይክእልን እዩ፣ ብዛዕባ እዚ ምስ በዓልቲ-ሞያ ሕርሲ ወይ ምስ ሆስፒታል ተዘራረቢ።

5. ኣብ ሆስፒታል

  • እቲ ሕጻን ምስተወልደ፣ 1 ሰብ ጥራይ ናባኺ ናብ ሆስፒታል ክመጽእ ይኽእል። እዚ ንባዕሉ እቲ ኣብ እዋን ሕርሲ ምሳኺ ዝነበረ ሰብ ክኸውን ኣለዎ። ካልኦት  ሰባት ክበጽሑኺ ክመጽኡ ኣይፍቀድን እዩ።
  • ሓደ ሓደ ግዜ ኣብ ሆስፒታል ንገለ ንውሕ ዝበለ እዋን ክትጸንሒ ኣለኪ። ስለዚ ነገራት ብኸመይ ከምዝቕጽል ንሆስፒታል ሕተቲ።

6. ኣብ ገዛ

እታ በዓልቲ-ሞያ ሕርሲ ክንደይ ግዜ ናብ ገዛኺ ክትመጽእ ምዃና ብዝምልከት ምሳኺ ትዘራረብ። ሕቶታት ኣብ ዝህልወኪ እዋን፣ ኩሉ ግዜ ናብታ በዓልቲ-ሞያ ሕርሲ ክትድውሊ ትኽእሊ ኢኺ። ናይ ቪድዮ-ጻውዒት ክትገብሪ ማለት ብቪድዮ ክትድውሊ እውን ትኽእሊ ኢኺ።

ክንክን መወልዳን ብንቡር ኣብ ገዛኺ ክትመጽእ እያ። ንሳ ንዓኺን ንቆልዓኺን ትኸናኸንን ትቆጻጸርን። ንኸይትሓሙ እንታይ ክትገብሩ ከም እትኽእሉ ንሳ ትገልጸልኩም።

ናትኪ በዓልቲ-ሞያ ሕርሲን ክንክን መወልዳንን ናብ ገዛኺ ክመጽኣ ይኽእላ እየን። ብዛዕባ እዚ ሓንሳብ ምስ ክንክን መወልዳን ኣቐዲምካ ምዝርራብ ጠቓሚ እዩ።

ብተወሳኺ መንግስቲ ክንደይ ሰባት ንምብጻሕ ክመጽኡ ከምዝፍቐደሎም እውን ይነግር እዩ። በጻሕቲ ክመጽኡኺ እንተድኣ ትደልዪ ኮይንኪ፣ ብዛዕባኡ ብጥንቃቐ ሕሰቢ። በጻሕቲ ብዝሃለዉኺ መጠን፣ ንዓኺ ወይ ንቆልዓኺ ኮሮና-ቫይረስ ንኽሕዘኩም ዝያዳ ዕድል ኣሎ።

ዝኾነ ሰብ ከምበዓል ምስዓል፣ ምህንጣስ፣ ዕንጓል ንፋጥ ኣብ ኣፍንጫ፣ ቃንዛ ጎረሮ ወይ ረስኒ ዝኣመሰሉ ምልክታት-ሕማም ምስዝህልዎ፣ መልከፍቲ ንምውጋድ እቲ ሰብ ክበጽሕ ናብ ገዛ እንተዘይመጽአ ይሓይሽ።

7. ፍሉያት ክዳውንቲ

እንተድኣ ኮሮና ንዘለዎ ሰብ ዘጋጥምዎ ምልክታት-ሕማም ኣለዉኺ ኮይኖም፣ ወይ እንተድኣ ኮሮና ኣለኪ ኮይኑ፣ እታ በዓልቲ-ሞያ ሕርሲ ወይ ሓኪም ማህጸን ፍሉያት ክዳውንቲ ይኽደና። ንኣብነት መሸፈኒ-ኣፍ፣ ጓንቲ፣ መነጽር ወይ ጃኬት። እዚ ድማ ንነፍስወከፍ ሰብ ኮሮና-ቫይረስ ንኸይሕዞ ይከላኸለሉ።

8. ስልጠናታትን ጒጅለታትን

ብዙሓት ስልጠናታትን ጒጅለታትን ኣይክቕጽሉን እዮም። ኣኼባታት ብመንገዲ ኢንተርነት ዝግበሩ ምዃኖምን ዘይምኻኖምን ንናትኪ በዓልቲ-ሞያ ሕርሲ ሕተቲ።

9. ክታበት ኣንጻር ኮሮና

ነፍሰጾር ዝኾና ደቂ-ኣንስትዮ ብሰንኪ ኮሮና ኣዚየን ንኽሓምማ ዝያዳ ዕድል ኣለወን።
በዚ ምኽንያት እዚ ዝስዕብ ምኽሪ ይወሃበን፡ ነፍሰጾር ምስ እትኾኒ ወይ ንኽትጠንሲ ትፍትኒ ዘለኺ ምስ እትኾኒ፣ ክታበት ውሰዲ። እዚ ምኽሪ ብናይ ኔዘርላንድ ሰብ-ሞያ ሕክምና ማህጸን፣ ሰብ-ሞያ ስነ-መወልዳንን ሓካይም ቆልዑትን ዝተዋህበ እዩ።

ውሑስ
ሓካይምን ተመራመርቲ ስነ-ፍልጠትን ብዛዕባ ክታበት ኣብ እዋን ጥንሲ ብዝምልከት መጽናዕቲ ገይሮም ነይሮም።
ካብቶም መጽናዕቲታት ድማ እዚኦም ዝስዕቡ ተነጺሮም፡

  • እቲ ክታበት ንነፍሰጾር ዝኾና ደቂ-ኣንስትዮ ውሑስ እዩ
  • ንኽትጠንሲ ትፍትኒ ዘለኺ ምስ እትኾኒ፣ እቲ ክታበት ውሑስ እዩ
  • እቲ ክታበት ኣብ ከብድኺ ንዘሎ ዕሸል ውሑስ እዩ
  • እቲ ክታበት፣ ብኮሮና ኣዚኺ ንምሕማም ንዘለኪ ዕድል ኣዝዩ ጸቢብ ከምዝኸውን ይገብሮ
  • ንሕጻን ጸባ ጡብ እተጥቡዊ ምስ እትኾኒ፣ እቲ ክታበት ውሕስ እዩ

ብዛዕባ ምኽታብ ትጠራጠሪ ዲኺ? ብዛዕብኡ ምስ ናትኪ በዓልቲ-ሞያ ስነ-መወልዳን ወይ ሓኪም ማህጸን ተዘራረቢ።

በዓልቲ-ሞያ ስነ-መወልዳን፣ በዓልቲ-ሞያ ክንክን-ሓራሳትን በዓልቲ-ሞያ ሕክምና-ማህጸንን፣ ንዓኺን ንመጻምድትኺን
ብጽቡቕ ንምሕጋዝ ዝከኣለን ኩሉ ክገብራ እየን!
ኣብዚ ብዛዕባ ኮሮና-ቫይረስ ዝምልከት ገና ተወሳኺ ሓበሬታ ክትረኽቢ ትኽእሊ ኢኺ፡

https://www.pharos.nl/coronavirus/


20 december 2021 – versie 9

Naar boven