ኢሳቕን ምርየምን ብዙሕ ሽግር ኣለዎም

እዚኣቶም ሚርያምን ኢሳቕን እዮም። ንሳቶም ኣርባዕተ ቆልዑት ኣለውዎም። እዚኣቶም ከኣ ኖራ (11 ዓመት)፣ ኤልያስ (8 ዓመት)፣ ሃና (4 ዓመት)፣ ከምኡ እውን ኖህ(2 ዓመት) እዮም። ሚርያምን ኢሳቕን ብዙሕ ሻቕሎት ኣለዎም። ኢሳቕ ብሰንኪ ኮሮና ስርሑ ከይስእን፣ ከምኡ እውን ኣብ መጻኢ ኣዝዩ ሒደት ገንዘብ ዝህልዎ ከይከውን ይፈርሕ። ንሳቶም ናይ ስድራኦምን ደቆምን ጥዕና ብዝምልከት እውን ይፈርሑ እዮም።

ኣብቲ ገዛ ጻዕቒ ኣሎ

ብምኽንያት ኮሮና-ቫይረስ ሕጂ ነፍስወከፍ ሰብ ኣብ ገዛ ኮፍ ኢሉ ይርከብ። እቶም ቆልዑት እውን ኣብ ገዛ እዮም ዘለዉ። ኣብቲ ገዛ ኣዝዩ ጻዕቂ ሰብ ኣሎ። ሚርያምን ኢሳቕን ሕጂ ዝያዳ ጭንቀት ኣለዎም። እቶም ደቆም ጽቡቕ ገይሮም ንኽሰምዕዎም ይደልዩ። እቶም ቆልዑት ውዑያት እዮም፣ ከምኡ እውን ኣይሰምዑን። ኢሳቕ ብዙሕ ግዜ ይሓርቕ። ከምኡ እውን ብዙሕ ግዜ መቕጻዕቲ ይህቦም።

ኢሳቕን ሚርያምን ተደጋጋሚ ግዜ ጭንቐት ይስምዖም

ኢሳቕን ሚርያምን ጭንቀት ኣለዎም። ንሳቶም እንታይ ክገብሩ ከም ዘለዎም ኣይፈልጡን፣ ከምኡ እውን ርግጸኛታት ኣይኮኑን። እንተኾነ ግን ብዛዕብኡ ኣይዛረቡን። ሓደ ሓደ ግዜ ኢሳቕ ናብቶም ቆልዑት ቀልጢፉ ይሓርቕ።

ኢሳቕ ቐጻሊ ይሓርቕ

ኢሳቕ ኣዝዩ ብዙሕ ጭንቀት ስለ ዘለዎ ነቶም ቆልዑት ብጥብቂ ይከታተሎም። ንሱ ይጭድርን ከምኡ እውን ብጒምቦ ኢዱ ንኤልያስ ይሃርሞን። ሓደ ሓደ ግዜ ንሱ ብምውጣጥ ኣትሩሩ ይጭብጦ። እቶም ቆልዑት እንታይ እዩ እቲ ምኽንያት ኣይፈለጡን። ንሳቶም ፈሪሖምን ውሕስነት ኣይስምዖምን።

ሚርያም ብዙሕ ሓሳባት ኣለዋ

ሚርያም ኣዝያ ደኺማ። ነቶም ቆልዑት ንምክትታል ኣዝዩ ኣጸጋሚ ኮይኑ ረኺባቶ። ሚርያም ብዙሕ ትሓስብ። ኣእምሮኣ ብሓሳብ መሊኡ። እቶም ቆልዑት እንታይ ይገብሩ ከም ዘለዉ ኣይትርእይን፣ ከምኡ እውን እንታይ ከም ዘድልዮም ጽቡቕ ገይሩ ኣይርድኣን። ንሳ ኣይትዛረብን። እቶም ቆልዑት ኣዲኦም ንምንታይ ከም ዘይትዛረብ እቲ ምኽንያት ኣይፈለጡን።

ቖልዑ ብውሕስነት ክዓብዩ ኣለዎም

እቶም ቆልዑት ሕጂ መብዛሕትኡ ግዜ ይፈርሑን ጋሂ ይስምዐሙን። ምእንቲ ብጽቡቕን ብጥዕናን ክዓብዩ፣ ንኖራን ኤልያስን፣ ንሃናን ኖህን ውሕስነት ክስምዖም ኣለዎ። እዚ ሕጂ ክግበር ኣይተኻእለን። ብውሕስነት ምጽዋት፣ ምምሃር፣ ምሕሳብን ምዕባይን ንቆልዑት ኣዝዩ ኣገዳሲ እዩ።

ሚርያምን ኢሳቕን ስምምዕ ጌሮም

ሚርያምን ኢሳቕን ደቆም ፍርሒን ጓሂን ክስምዖም ኣይደልዩን እዮም። ንሳቶም ፍቕሪን ሓልዮትን ክህብዎም እዮም ዝደልዩ። እንተኾነ ግን ምስኡ ሕጋጋት ክገብሩሎም እውን፣ ብኸምዚ ከኣ ንሳቶም
ምህራምን ምጭዳርን ኣየድልዮምን። ንሳቶም ብዛዕባ ናይ ባዕሎም ጠባይ ብዝምልከት ይሓስቡ። ንሳቶም ብዛዕባ እዚ ብዝምልከት ይዘራረቡን ስምምዓት ይገብሩን። ኢሳቕ ካብ ሕጂ ጀሚሩ ነዚ ዝስዕብ ክገብር ይፍትን፡

  • ብቐጥታ ግብረ-መልሲ ብዘይምሃብ፣ ብርግኣት ክቕጽል
  • እንተድኣ ብርግኣት ንምቕጻል ዘይከኣለ፣ ናብ ደገ ወጺኡ ብእግሩ ክዛወር፤
  • እንተድኣ ገለ ጽቡቕ ነገር ገይሮም፣ ነቶም ቆልዑት ሞጎስ ማለት ናእዳ ክህቦም።

ኢሳቕ ህድእ ክብል ጀሚሩ

ኢሳቅ ብርግኣት ቐጺሉ፣ ከምኡ እውን ብቐጥታ ግብረ-መልሲ ኣይህብን። ብከምዚ ኣጋባብ ድማ የተግብሮ:

  • ንሱ ኣዒንቱ የዐምት
  • ንሱ ካብ ውሽጡ የስተንፍስ
  • ኮምኡ ውን ካብ 1 ክሳብ 10 ብህድኣት ይቖጽር

ኢሳቕ ናእዳ ይህብ

እንተድኣ ንሳቶም ገለ ጽቡቕ ገይሮም፣ ንኖራን ኤልያስን ሞጎስ ማለት ናእዳ ይህቦም። እቶም ቖልዑት እውን ሕጉሳት ኣለዉ ምስ ኣቦኦም ጽቡቕ ብምህላዎም።

ሚርያም ምኽሪ ሓቲታ

ሚርያም ናብታ ንሳ እትፈልጣን እትኣምናን ኣይሻ ትድውል። ኣይሻ ሓደ ምኽሪ ሂባ። ንሳ ኢላታ፡ ሓደ መደብ ክትገብሪ ኣለኪ። ኣብቲ መደብ ሕጋጋት ኣዳልዊ።

ሚርያምን ኢሳቕን ምስ ደቖም ስምምዕ ጌሮም ሚርያም

ሚርያም እንባኣር ነዚ ገይራ። ንሳ ምስቶም ቆልዑት ስምምዓት ገይራ።

  • ንሕና ጸወታ ምስ ወዳእና ኣቑሑትና ኣልዒልና ንውግኖም ።
  • ንሕና ኣብ ሓደ ቀዋሚ ግዜ ብሓባር ኣብ ጠረጴዛ ንምገብ
  • ንሕና ዕዮ-ገዛና ኣብ ሓደ ቀዋሚ ግዜ ንሰርሕ (መራኸቢ ዕለታዊ መደብ)። ንሕና ምስ ወዳእና፣ ክንጻወት ንኸይድ።

ሓደ ሓደ ግዜ ዝያዳ ሓገዝ የድልይ እዩ፣ ንኣብነት፡

  • ሓደ ሃንደበት ሓደገኛ ዝኾነ ሰብ ኣሎ ድዩ? ንኣብነት ንሓደ ሰብ ዝሃረመ፣ ወይ ሓደ ኣብ ኢዱ ሓደገኛ ኣጽዋር ዝሓዘ ሰብ። ስለዚ ናብ 112 ደውሉ። እቲ ቴለፎን ዝቕበለካ ሰብ ኣብቲ ዝሓተካ ሕቶ ምርኩስ ብምግባር እንታይ ሓገዝ ከም ዘድልየካ ክውስን እዩ።ማለት (ፖሊስ፥ መጥፋእቲ ሓዊ፥ኣምፕላንስ)
  • ብዛዕባ ኣብ ገዛ ዘለዉ ጸገማት ብዝምልከት ምስ ሓደ ሰብ ክትዘራረቡ ትደልዩ ዲኹም? ናብ ሓኪም – ገዛኹም:ቤት-ጽሕፈት ምኽሪን ጥዕና ሕጻናትን ማለት ኮንስልታሲቢሮ፣ ወይ ጉጅለ-ከባቢ ደውሉ።
  • ምስ ሓደ ካልእ ሰብ ክትዘራረቡ ትደልዩ ዲኹም? ናብ ነቊጣ ምኽሪን ምሕባርን ዘቤታዊ-ጎነጽን ግፍዒ- ቆልዑትን ማለት ቫይሊኽ ትሃውስ ደውሉ(0800-2000)። እዚ ስምኩም ብምስጢር ብምዕቓብ ክግበር እውን ይኽእል እዩ።
  • ምስ ሓደ ኣብ ከባቢኹም ዝነብር ሰብ እውን ክትዘራረቡ ትኽእሉ ኢኹም። ሓደ ንስኹም እትኣምንዎ ሰብ።

Deze publicatie is gemaakt in samenwerking met

Naar boven