Deze informatie is aangepast op 23 januari 2023.

Nederlands | Arabisch | Engels | Farsi | OekraïensPools | Russisch | TigrinyaTurks 

ሕቶታት ወይ ጥርጣረታት ብዛዕባ ክታበት ኮሮና

04_vragen-vaccin

ክታበት ኮሮና ትደልይ ምዃንካን ዘይምዃንካን ንኽትመርጽ ከጸግመካ ይኽእል እዩ።
ከምኡ እውን ድሮ ክታበት ወሲድካ ዲኻ? ከምኡ ምስ ዝኸውን ዳግማይ-ክታበት ክትወስድ ምዃንካን ዘይምዃንካን ክትመርጽ ትኽእል ኢኻ።
ካብ ሓኪምካ እውን ምኽሪ ክትሓትት ትኽእል ኢኻ።

00_informatie_0

ኣብ መርበባት-ሓበሬታን ማሕበራዊ መራኸቢታትን ድማ ብዙሕ ዝተፈላለየ ሓበሬታ ኣሎ።
ገሊኡ ሓበሬታ ሓቂ እዩ፣ ገሊኡ ሓበሬታ ድማ ቅኑዕ ኣይኮነን።

ኣብዚ ሓበሬታዊ ማህደር እሙን ዝኾነ ሓበሬታ ከተንብብ ትኽእል ኢኻ።
እዚ ሓበሬታ ብሓካይምን ተመራመርቲ ስነ-ፍልጠትን ካብ ዝተገብረ መጽናዕቲ ዝመጸ እዩ።
እቲ ሓበሬታ ብዛዕባ እዚ ዝስዕብ እዩ፡

  • እቲ ክታበት ብኸመይ ይሰርሕ?
  • ኣየኖት ጎድናዊ ሳዕቤናትን ስግኣታትን ኣለዉ?
  • ዳግማይ-ክታበት ንምንታይ የድልይ?
  • ንብዙሓት ሰባት ብዛዕባ ክታበት ኮሮና ዘለዎም ሕቶታት፣ ከምኡ እውን ኣብ ትሕቲኡ መብርሂ ዘለዎ

ስግኣታት

ኣዝዩ ከቢድ ዝኾነ ጎድናዊ ሳዕቤን ኣዝዩ ሳሕቲ እዩ ዘጋጥም። ኣዝዩ ሳሕቲ ሓደ ሰብ ኣለርጂካዊ ግብረ-መልሲ ክህልዎ ወይ ነድሪ ልቢ ከጋጥሞ ይኽእል እዩ።
እዞም ጎድናዊ ሳዕቤናት ዳርጋ ፈጺሞም ኣየጋጥሙን እዮም፡ እንተኾነ ግን ነቲ ክታበት ድሕሪ ምውሳድካ ኣብ ዘለዉ ሳምንታት፣ ብዙሓት ምልክታት-ሕማም እንተድኣ ኣጋጢሙካ፣ ናብ ሓኪምካ ደውል።

ንብዙሓት ሰባት ብዛዕባ ክታበት ኮሮና ዘለዎም ሕቶታት፣ ምስ መልስታቱ

ዳግማይ-ክታበት ንምንታይ የድልይ?

ነቶም ዝቐደሙ መራፍእ ክታበት ናይ ኮሮና ድሕሪ ምውሳድካ፣ ኣካልካ ጸረ-ግዳማዊ ባእታታት ሰሪሑ ኣሎ።
እንተኾነ ግን ድሕሪ ገለ እዋን መጠን ብዝሒ ናይቲ ዝተሰርሐ ጸረ-ግዳማዊ ባእታታት ይንክይ እዩ፣ ከምኡ እውን እቲ ዝህቦ ምክልኻል ይጎድል።
ነቲ ዳግማይ-ክታበት ብምውሳድ ድማ ኣካልካ እንደገና ተወሳኺ ጸረ-ግዳማዊ ባእታታት ይሰርሕ።
በዚ ምኽንያት ድማ በቲ ቫይረስ ኣይትሓምምን ወይ ኸኣ ብዙሕ ኣይትሓምምን።

03_herhaalprik

እቲ ዳግማይ-ክታበት ማዕረ ክንደይ ውሑስ እዩ?

05_goedgekeurd-vaccin

CBG ነቶም ዳግማይ-ክታበታት ብጥንቃቐ እዩ ዝቆጻጸሮም።
CBG ብቋንቋ ኔዘርላንድ ኣሕጽሮተ ቃል ናይ College ter Beoordeling van Geneesmiddelen [ቦርድ ገምጋም መድሃኒታት] እዩ።
CBG እቶም ዳግማይ-ክታበታት ልክዕ ከምቶም ቅድሚ ሕጂ ዝተዋህቡ ክታበታት ውሑሳት ምዃኖም እዩ ዝሓስብ።
ከምኡ እውን CBG ነቶም ዳግማይ-ክታበታት ምቚጽጻር ይቕጽል ኣሎ፣ ዋላ ሕጂ ኣብ ጥቕሚ እናወዓሉ እከለዉ እውን።

02_pijn-prikplek

እቶም ዳግማይ-ክታበታት ምስቲ ቅድሚ ሕጂ ዝተዋህቡ ክታበታት ዝመሳሰሉ ስለ ዝኾኑ፣ እቶም ጎድናዊ ሳዕቤናት እውን ተመሳሰልቲ እዮም።
እዚኦም ዝስዕቡ ጸገማት ድማ ከጋጥሙኻ ይኽእሉ፡

  • ቃንዛ ኣብቲ ንኽታበት መርፍእ ዝተወጋእካሉ ቦታ
  • ቃንዛ ርእሲ
  • ቃንዛ ጭዋዳ
  • ድኻም ዘለካ ምዃን
  • ረስኒ

እቲ ዳግማይ-ክታበት ከበድቲ ጎድናዊ ሳዕቤናት ንኸስዕብ ዘሎ ዕድል ውሑድ እዩ።

ኣነ ድሮ ኮሮና ሒዙኑ ነይሩ። ሕጂ እውን ገና ክታበት የድልየኒ ድዩ?

03-2_herhaalprik

ዋላ ድሮ ኮሮና ሒዙካ እንተነበረ እውን ክታበት ክትወስድ ጽቡቕ እዩ።
ድሕሪ ኮሮና ኣካልካ ብዙሓት ኣንጻር እቲ ቫይረስ ዝቓለሱ ጸረ-ግዳማዊ ባእታታት ኣለዎ።
እንተኾነ ግን ድሕሪ ገለ እዋን መጠን ብዝሒ ናይቲ ዝተሰርሐ ጸረ-ግዳማዊ ባእታታት ይንክይ እዩ፣ ከምኡ እውን እቲ ኣንጻር እቲ ቫይረስ ዝህቦ ምክልኻል ይጎድል።
ስለዚ ድማ ኮሮና ብዙሕ ግዜ ብተደጋጋሚ ክሕዘካ እውን ይኽእል እዩ።
መርፍእ ክታበት ብምውሳድ ኣካልካ ተወሳኺ ጸረ-ግዳማዊ ባእታታት ከም ዝሰርሕ ይኸውን፣ ከምኡ እውን ኣንጻር እቲ ቫይረስ እንደገና ጽቡቕ ምክልኻል ትረክብ።

በዚ ምኽንያት፣ ኮሮና ድሕሪ ምሕማምካ እውን ክታበት ክትወስድ ጽቡቕ እዩ።

ኮሮና ምስ ዝሕዘካ፣ ንስርዓተ-ምክልኻል-ሕማም ናይ ኣልካ ዝሓሸ ድዩ?

06_vaccinatie

እዚ ቅኑዕ እዩ። እንተኾነ ግን ሕጂ እውን እቲ ክታበት ምውሳድ ኣገዳሲ እዩ። ድሮ ኮሮና ሒዙካ እንተነበረ እውን።
ኮሮና ሒዝዎም ዝነበሩ ኮይኖም ክታበት ዝወሰዱ ሰባት፣ ካብቶም ኮሮና ሒዝዎም ዝነበረ ጥራይ ወይ ክታበት ጥራይ ዝወሰዱ ሰባት ንላዕሊ ዝሓሸ ምክልኻል ይረኽቡ። እዚ ካብ ዝተገብረ መጽናዕቲ ዝተጋህደ እዩ።

ኣብዚ ዝሓለፈ ኩሉ ግዜ ድሮ ኮሮና ኣይሓዘኒን። ስለዚ ንምንታይ ሕጂ ነቲ ዳግማይ-ክታበት ክወስድ ኣለኒ?

03_herhaalprik

ኮሮና ዘይሓዘካ ናይ ኣጋጣሚ ክኸውን ይኽእል እዩ።

ቅድሚ ሕጂ ክታበት ድሮ ወሲድካ ዲኻ? ስለዚ ምናልባት በዚ ምኽንያት ኮሮና ኣይሓዘካን ነይሩ ክኸውን ይኽእል እዩ።
እንተኾነ ግን ድሕሪ ገለ እዋን እቲ ክታበት ዝህበካ ምክልኻል ይጎድል እዩ።
ስለዚ ሕጂ እውን ገና ሕማም ኮሮና ኣዚዩ ከጥቕዓካ ይኽእል እዩ።

ስለዚ ድማ እዩ ዳግማይ-ክታበት ክትወስድ ኣገዳሲ ዝኸውን።

ኣነ መንእሰይን ጥዑይን እየ። ንምንታይ ክታበት የድልየኒ?

መንእሰያት ጥዑያት ሰባት እውን ክታበት ክወስዱ ኣገዳሲ እዩ። ውሑዳት ምኽንያታት ኣብዚ ዝስዕብ እንሆ፤

  • መንእሰይን ጥዑይን እንተድኣ ኮይንካ፣ ብኮሮና ኣዚኻ ናይ ምሕማም ዘለካ ስግኣት ውሑድ እዩ፣ እንተኾነ ግን ክኸውን ይኽእል እዩ።
07_vermoeid
  • መንእሰያት እውን ብሰንኪ ኮሮና፣ ሎንግ-ኮቪድ [Long-Covid] ንኸጋጥሞም ዕድል ኣለዎም።
    ሎንግ-ኮቪድ [Long-Covid] ብቋንቋ እንግሊዝ እዩ፣ ትርጒሙ ድማ ነዊሕ-ኮሮና ማለት እዩ።
    Long-Covid ኣብ ዝህልወሉ እዋን፣ ሓደ ሰብ ኮሮና ምስ ኣጋጠሞ ዝህልዎ ጸገማት ጥዕና ንነዊሕ እዋን ይጸንሑ።
    ዋላ ኣብ እዋን መልከፍቲ ኮሮና ብዙሕ ዘይሓመምካ እውን እንተነበርካ፣ Long-Covid ከጋጥመካ ይኽእል እዩ።

 

08_verminderd-verspreiding
  • ክታበት ብምውሳድ ንኻልኦት ሰባት እውን ትከላኸል ኢኻ።
    ብዙሓት ሰባት እንተድኣ ክታበት ወሲዶም፣ ምስፍሕፋሕ ናይቲ ቫይረስ ይንክይ።
    ንገዛእ-ርእስኻ ክታበት ብምውሳድ ድማ ኣብ ከባቢኻ ንዝርከቡ ሰባት ዝህልዎም ስግኣታት ከም ዝቕንስ ትገብር።
    ንኣብነት ንወለድኻ፡ ንእኖ-ሓጎታትካ፣ ኣቦ-ሓጎታትካ ወይ ድኹም ናይ ምክልኻል ዓቕሚ ንዘለዎም ሰባት።

ሰባት ድሮ ክታበት ወሲዶም እናሃለዉ ንምንታይ ኮሮና ክሕዞም ይኽእል? እቲ ክታበት ይሰርሕ ድዩ?

09_minder-ziek

እወ፣ ብሰንኪ ኮሮና ኣዚኻ ብሕማም ንኸይትጥቓዕ እቲ ክታበት ጽቡቕ ይሰርሕ እዩ።
ክታበት ድሕሪ ምውሳድካ እውን ገና ብኮሮና ቫይረስ ክትልከፍ ትኽእል ኢኻ።
እንተኾነ ግን ሳላ እቲ ክታበት፣ በቲ ቫይረስ ብዙሕ ኣይትሓምምን።
ሓሚምካ ናብ ሆስፒታል ክትከይድ ዘለካ ዕድል ድማ ሳላ እቲ ክታበት ኣዝዩ ዝተሓተ እዩ።

ክታበት ብምውሳድ ንኻልኦት ሰባት እውን ትከላኸል ኢኻ።
ምኽንያቱ በቲ ቫይረስ ብዙሕ እንተድኣ ዘይሓመምካ፣ ነቲ ቫይረስ ብዙሕ ኣይተላብዕን ኢኻ።
እቲ ክታበት ንጥዕናኻን፣ ከምኡ እውን ንጥዕና ኣብ ከባቢኻ ናይ ዘለዉ ሰባትን ይከላኸል እዩ።

እቲ ሓድሽ ክታበት ካብ ኩሎም ዓይነታት ናይቲ ቫይረስ ይከላኸል ድዩ?

10_bescherming-varianten_10

እወ፣ እቲ ሓድሽ ክታበት ካብ ኩሎም ዓይነታት ናይቲ ቫይረስ ይከላኸል እዩ።
ንዳግማይ-ክታበት ብዝምልከት፣ እቶም ክታበታት ተስተኻኺሎም እዮም።
ሕጂ ካብቶም ሓደስቲ ዓይነታት እውን ይከላኸሉ እዮም።
እቲ ቫይረስ እንደገና ዓይነቱ እንተቐየረ እውን፣ እቶም ሓደስቲ ክታበታት ምክልኻል ምሃብ ዝቕጽሉ ምዃኖም CBG ትጽቢት ይገብር።

ብሰንኪ እቲ ክታበት ድሕሪ ደጊም ቆልዑት ክወልድ ዘይክእል ክኸውን ዕድል ኣሎ ድዩ?

11_vragen-vruchtbaarheid

ኣይፋል፣ እቲ ክታበት ኣብ መጻኢ ቆልዑት ናይ ምውላድ ዓቕምኻ/ኺ ኣይጸልዎን እዩ።
ብሰንኪ እቲ ክታበት ፍርያምነት ከም ዝንክይ ኣይገብረካን እዩ።
እዚ ንደቂ-ተባዕትዮን ደቂ-ኣንስትዮን ንኽልቲኦም ዝምልከት እዩ።
እዚ ብሓያሎ መጽናዕትታት ዝተጋህደ እዩ።

ኣብዚ እዋን ንኽትጠንሲ ትፍትኒ ዘለኺ ምስ እትኾኒ እውን፣ ነቲ ክታበት ንኽትወስዲ ውሕስ እዩ።
ነፍሰጾር ደቂ-ኣንስትዮ ብሰንኪ ኮሮና ብኸቢድ ናይ ምሕማም ዝለዓለ ስግኣት ኣለወን።
ስለዚ ድማ ክትጠንሲ ምስ እትደልዪ ወይ ጥንስቲ ምስ እትኾኒ፣ ነቲ ክታበት ክትወስዲ ዝያዳ ኣገዳሲ እዩ።

ድሕሪ ክታበት ኣብ ወርሓዊ ጽግያትኪ ጸገም የጋጥመኪ ድዩ?

12_menstruatie

ኣብዚ ሕጂ እዋን ኣብ ኔዘርላንድ ብዛዕባ እዚ መጽናዕቲ ነካይድ ኣለና።
ኣብ ገሊአን ደቂ-ኣንስትዮ፣ ወርሓዊ ጽግያተን ዝተፈላለየ እዩ ነይሩ፣ ንኣብነት ካብቲ ንቡር ዝድሕር።

እዚ ድሕሪ ክታበት ብኸመይ ከም ዘጋጥም ብልክዕ ኣይተፈልጠን።
ክታበት ሕማም ንናይ ምክልኻል ዓቕምኻ ከም ዝሰርሕ ይገብር።
እዚ ድማ ንግዚኡ ነቶም ሆርሞናት ክጸልዎም ይኽእል እዩ።
ስለዚ እዚ ግዝያዊ ጽልዋ ክኸውን ትጽቢት ይግበር።

ምስቲ ክታበት ቺፕ ትውጋእ ድኻ?

05_goedgekeurd-vaccin

ኣይፋል፣ ከምኡ ኣይከኣልን እዩ። ቺፕ ንመርፍእ ኣዝዩ ዓቢ እዩ።
ኣብ ልዕሊ እቶም ክታበታት ድማ ጽኑዕ ቁጽጽር ኣሎ።
እቲ ክታበት ብኸመይ ከም ዝሰርሕን፣ ከምኡ እውን ኣብቲ ክታበት እንታይ ከም ዘሎን ብዝምልከት ቁጽጽር ኣሎ።
ቺፕ በቲ ዝግበር ቁጽጽር ክሓልፍ ኣይክእልን እዩ።
ሓካይም እውን ብዛዕባ እዚ ምትሕብባር ኣይምገበሩን ነይሮም።

ስለዚ ኣይፋል፣ ኣብቲ ክታበት ቺፕ የለን።

ብሰንኪ እቲ ክታበት ናተይ ዲ.ኤን.ኤ ይቕየር ድዩ?

13_DNA

ኣይፋልን፡ ክታበታት mRNA ናብ ዲ.ኤን.ኤ ክበጽሑ ኣይክእሉን እዮም።
ኣብ ጂንካ ወላ ሓደ ኣይቅይሩን እዮም።
ኣካልካ ነቲ ክታበት ብተፈጥሮኡ ሰባቢሩ የዳቅቖ እዩ።
ድሕሪ ክታበት፣ እንተበዝሐ ንገለ መዓልታት እዩ ኣብ ኣካልካ ዝጸንሕ።

ንገለ ዓመታት ከይተፈልጡ ዝጸንሑ ጎድናዊ ሳዕቤናት ኣለዉ ድዮም?

14_testen-bijwerkingen

ክታበት ኮሮና ድሒሩ ዝፍለጥ ከም ኣውቲዝም ዝኣመሰሉ ጎድናዊ ሳዕቤናት ክህልዎ ዘለዎ ዕድል ኣዝዩ ውሑድ እዩ።
ጎድናዊ ሳዕቤናት ክታበት፣ ኩሉ ግዜ ድሕሪ ክታበት ኣብተን ቀዳሞት 6 ሳምንታት እዩ ዘጋጥም።
ስለዚ ድማ ኩሎም ክታበት ኮሮና እንተወሓደ ን 8 ሳምንታት ተፈቲኖም እዮም።

15_miljarden-vaccins

ብተወሳኺ ብቢልዮናት ዝቑጸሩ ሰባት ድሮ ነቲ ክታበት ወሲዶም እዮም፣ ከምኡ እውን ድሒሩ ዝመጽእ ጎድናዊ ሳዕቤን ኣይተራእየን።
እንተኾነ ግን እቶም ክታበታት ገና ነዊሕ ዝገበሩ ኣይኮኑን።
ስለዚ ድማ 100% ርግጸኛታት ብምዃን ድሒሩ ዝመጽእ ጎድናዊ ሳዕቤን የለን ክንብል ኣይንኽእልን ኢና።

ሕቶኻ ኣብዚ ኣይተዘርዘረን ድዩ?

ስለዚ ንዓና ትወከሰና።
ወይ ኣብዚ ተመልከት፡ twijfeltelefoon.nl/veelgestelde-vragen/
ወይ ናብ ቁጽሪ ተሌፎን 088 - 7 555 777 ደውል።

Naar boven